መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 15 ክሳብ 19 ጥሪ ክኽበር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 15 ክሳብ 19 ጥሪ 2018 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ክኽበር ኢዩ።
ኣብቲ ሓይሊ ኣየር ኣዛዚ ቀዳማይ ምድብ ኣየርን ኣተሓባባሪ እቲ በዓልን ብ/ጄነራል ብሩክ ሰይፉ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ በዓል “ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምልክት ሓድነትን ነፃነትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝኽበር ተዛሪቦም።
“ናይ ኣንበሳታት ሰማይ፣ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ሓይሊታት ኣየር ዝተፈላለያ ሃገራት ብሓባር ብምዃን ምርኢት ኣየር ፀሊም ኣንበሳ ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ።
ናይ 10 ኪሎ ሜትሮ ዓለም ለኸ ናይ ጎደና ጒያ ውድድር “ንምዕባለ ሓይሊ ኣየር ብሙሉእ ዓቕመይ ክጎዪ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣ21 ሕዳር ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ምክያዱ ኣዘኻኺሮም።
ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ መበል 90 ዓመት መዓልቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዘርኢ መርበብ ሓበሬታ ዕላዊ ትማሊ ዕላዊ ምዃኑ ይፍግለጥ።
ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ምድላው መበል 90 ዓመት መዓልቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብመርበብ ሓበሬታ etaf90years.com ሓፈሻዊ ሓበሬታ ከምዝረክብ እቲ ትካል ኣፍሊጡ ኢዩ።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!