መናእሰይ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንመንፅር ረብሓ ሃገር ክሪኡ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ መናእሰይ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንመንፅር ረብሓ ሃገር ብምርኣይ ተሳትፎኦም ክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡
ላዕለዎት ሓለፍቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተረኸባ ብብርኪ ከተማ መዛዘሚ መድረኽ መናእሰይ ተሳሊጡ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን÷ እታ ከተማ ንመንእሰያት ምችውቲ ንምግባር ስራሕቲ ምስርሖምን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብሓላፍነት ብምጥቃም ብበዓል ዋናነት ክሕለዉን ከምዘለዎም ኣረዲአን፡፡
ተስፋን ኩርዓትን ሃገር ዝኾኑ መናእሰይ ንሃገር ዝረብሑ ስራሕቲ ንድሕሪት ከይበለ ብትኹረት ክሰርሕ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብመንፅር ረብሓ ሃገር ብምርኣይ ልዑል ተሳትፎ ክገብሩ ከምዘለዎም ሓቢረን፡፡
ሕልሚ ኢትዮጵያ ብልፅግና ምዃኑ ብምሕባር፤ መናእሰይ ነዚ ተረዲኦም ሕልሞም ንምዕዋት ብሓባር ክሰርሑ ትፅቢት ይግበር ኢለን።
ዝፍጠሩ ዕድላት ስራሕ ብምጥቃም ብግቡእ ንምልዋጥ ምስራሕ እቲ ካሊእ ካብቲ መንእሰይ ወለዶ ትፅቢት ዝግበረሉ ጉዳይ ምዃኑ እውን ኣገንዚበን።
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!