Fana: At a Speed of Life!

መንሽሮ በሪ ማህፀንን ዘይመሓላለፉ ሕማማትን ንምዕጋት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሰሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ መንሽሮ በሪ ማህፀንን ዘይመሓላለፉ ሕማማትን ንምዕጋት ዝተፈላለዩ ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሓ ኢሉ ሚኒስትር ጥዕና፡፡

ስልጠና ሰብ ሞያታት ጥዕና፣ ቀረብ መድሓኒትን ዘርፈ ብዙሕ ምላሽ ኣብ ምቕራፍ ከም ሃገር ልዑል ዕብየት እናመዝገበ ምዃኑ ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊት ዴስክ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማትን ጥዕና ኣእምሮን ዶክተር ሰላማዊት ኣየለ ተዛሪበን፡፡

እቲ ሚኒስቴር ልዕሊ 14 ሚሊየን ሰገናት ደቂ ኣንስትዮ መንሽሮ በሪ ማህፀን መከላኸሊ ክትባት ክረኽባ ምስርሑ ሓቢረን፡፡

ቅድመ መንሽሮ ምፍላይን ሕክምና ምርመራ ሓዊሱ ብሓፈሻ መቆፃፀሪ ስትራቴጂ መንሽሮ ማህፀን እቲ ትካል ተግባራዊ ምግባሩ ንፋና ዲጂታል ገሊፀን፡፡

ብኻልእ ወገን ድማ ዘመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ምላሽ ዘለው ስራሕቲ ጎኒ ጎኒ በቲ ጉዳይ ንሕብረተሰብ ግንዛበ ምፍጣርን ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ከዘውትሩ እንዳተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡

ብዮሐንስ ደርበው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.