“መንእሰይ ስልጣን ሒዙ ተዝኸውን ነይሩ ናብዚ ኩሉ ጣጣ ኣይንተኣተውናን ነይርና” ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሃገራዊ እዋናዊ ጉዳያት ኣልዒሎም ምስ ግዜኢ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት መንእሰይ ትግራይ ስልጣን ሒዙ ተዝኸውን ነይሩ ናብዚ ኩሉ ጣጣ ኣይንተኣተውናን ነይርና ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ምክንያቱም ምስ መንእሰይ ብዘመናዊ ቋንቋ ምርድዳእ ምከኣልና ብፍላይ እዋኑ ዝጠልቦ ማሕበረሰባዊ ንቅሓት ዘለዎ መሪሕነት ለውጢ ተረዲኡ ኣመራርሓ ዝህብ ሓይሊ እዩ ማለት እዩ ኢሎም፡፡
ዘምፀእናዮ ለውጢ እዋኑ ዝጠልቦ ክስተት እዩ ትሩፋት መራሕቲ ህወሓት ግን ኮነ ተባሂሉ ብፍላይ ንዓኣቶም ዝጎድእ መሲሎም ተረዲኦምዎ ነይሮም ኢሎም፡፡
ኣፈላላያ ተፈጥራዊ ብምኳኑ ከጋጥሙ ይኽእል እዩ ኣፈላላያት ብጎንፂን ኩናትን ንምፍታሕ ግን ኣየዋፅእን ብምባል ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ፀገማትና ተመያይጥና ንምፍታሕ ፅቡቕ መገዲ እዩ ኢልና እንኣምን ሃገራዊ ዘተ ኣጣይሽና መብዛሕቲኡ ስራሕ ካብ ትግራይ ወፃኢ ተዛዚሙ ኣሎ ኢሎም፡፡
ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብዝምልከት ድማ መቐለ ሓዊሱ ፀጥታ ትግራይ ምኽባር ቀንዲ እዩ፡፡
ትካላት መንግስቲ ፌዴራልን ኤርፓርትን ሓዊሱ ሰላም ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ምእንቲ ክረክብ መንግስቲ ከም ባንኪ፣ ኤሌክትሪክን ቴሌኮምን ዝኣመሰላ ግልጋሎት ውሃብቲ ትካላት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ከምዝተመልሱ ገሊፆም፡፡
ኮይኑ ግና ደው ኢሎም ዝተረፊ ጉጅለታት ነቲ ስምምዕ መመሪፆም ናይ ምትግባር ዝንባለ እናርእዩ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ብፍላይ ድማ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ብሄራዊ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ዘይምኽባሩ ሓቢሮም፡፡
እቲ ውድብ ንልምዓት ዝተመደበ በጀት ተጠቒሙ ንኲናት ንምድላውን ዕጡቓት ንምምጋብን ይጥቀመሉ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ስቓይ የብፅሕ ከምዘለሎ ኣገንዚቦም፡፡
ብኲናት ዝተፈፀመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ከም ዝበልዎ ድማ ኲናት ኩሉ ግዜ ዘስካሕክሕ ገፅ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ተሓታትነት ንምርግጋፅ ድማ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣድላዩ እዩ ክብሉ ሓቢሮም፡፡
እዚ ከይዲ ካብ ፖለቲካዊ ወገናውነት ነፃ ብዝኾነ መንገዲ ክካየድ ከም ዘለዎን ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ ከምዝግባእን ገሊፆም።
ኣብቲ እዋን ኹናት ግደ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ደገፍ ብምዝክኻር ኣብ እዋን ኲናት ዝተፀሙ ዝኾነ ይኹን ጥፍኣታት ብፍላይ ቅትለት ኣብ ከባቢ ኣኽሱም፣ ዓድዋን ሽረን ዝተፈፀም ተቐባልነት ዘይብሉን ዝኹነንን ተግባር ምዃኑ ብግልፂ ኣገንዚቦም፡፡
መንግስቲ ንዝኾነ ናይ ወፃኢ ምትእትታው ከምዝቃወምን ልኡላውነት ሃገር ንምሕላው ከምዝሰርሕን ገሊፆም።
ንህዝብን መንእሰይን ትግራይ፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኩናት ንላዕሊ ሰላምን ልምዓትን ይግብኦ።
መናእሰይ ሓይሊ ክወሃቦምን ካብቶም ብኣረጊት ኣተሓሳስባ ናብ ኲናት ዝደፍእዎም ሰባት ክከላኸሉን ሚዒዶም።
መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንክሰፍን ዳግም ኹናት ከይለዓል ፅኑዕ ድልየት ከምዘለዎም ብምሕባር ነዙይ እውን ዝኾነ ይኹን መስዋእቲ ከምዝኸፍልን ኣረጋጊፆም።