መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 4 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ፈላማይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 4 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ረኺበ ኢሉ፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ መንገዲ ኣየር ዕብየት ተኾር ተግባራት ከካይድ ፀኒሑ ኢሎም፡፡
ኣብ ፍርቂ ዓመት ሰለስተ ዓለም ለኻዊ መዕረፊ ቦታታት ንምውሳኽ ተሊሙ ምስርሑ ብምሕባር፤ በዚ ድማ ናብ ፖርቶ፣ ሃኖይን ኣቡዳቢን በረራታት ብምጅማር ዓለም ለኻዊ መዕረፊታቱ ናብ 145 ምብፅሑ ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ውሽጢ ሃገር በቲ በጀት ዓመት ዝተመረቐ መዕርፎ ነፈርቲ ያቤሎ ሓዊሱ ን23 ከተማታት ግልጋሎት በረራ እናሃበ ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ፈላማይ ፍርቂ ዓመት 7 ሓደሽቲ ኣውሮፕላናት ዘእተወ እንትኾን ተወሳኺ ሓደሽቲ ነፈርቲ ንምትእትታው ይሰርሕ ከምዘሎን ገሊፆም፡፡
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ፈላማይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት 10 ነጥቢ 64 ሚሊየን ተጓዓዝቲ ብምጉዕዓዝ ትልሙ ሙሉእ ብሙሉእ ብምዕዋቱ ብምግላፅ፤ ምስ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ተመሳሳሊ እንትነፃፀር ብ11 ሚእታዊት ወሰኽ ምምዝጋቡ ኣረዲኦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!