መንግስቲ ብኣማራፅታት ሰላም ኣቢሉ ሰላም ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ንምግባር ይሰርሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ብኣማራፅታት ሰላም ኣቢሉ ሰላም ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ንምግባር ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ።
መኽፈቲ ስነ ሰርዓት መበል ሻድሻይ ዘበን ስራሕ ሓምሻይ ዓመት ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ተኻይዱ።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ ሓበራዊ መኽፈቲ ስነ ሰርዓት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝረኣዩ ጎንፂታት ብሓይሊ ምምዕርራይ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ዘላቂ ሰላም ዘረጋግፅ ግን ብሰለማዊ መገዲ ጥራሕ ከመዝኾነ መንግስቲ ፅኑዕ እምነት ኣለዎ ኢሎም።
መንግስቲ ነዚ እምነቱ ናብ መሬት ብምውራድ ብኣማራፅታት ሰላም ኣቢሉ ሰላም ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ናይ ሎሚ ጎንፂ ብምስዓር ንፅባሕ ተውልዲ ቂምን ቅርሕንትን ንዘይምውራስ ብሜላን ትዕግስቲን ንናይ ፅባሕ ዘላቒ ሰላም ዝሓይሽ መገዲ ይኽተል ከምዘሎ ኣብሪሆም።
እዚ እምነት ሃገራዊ ምርድዳእ ንምኽታል፣ ዘላቒ ቅቡልነት ዘለዎ ሃገረ መንግስቲ ንምጥያሽ ዘለዎ ፋይዳ ዝለዓለ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።