መንግስቲ ንሕቶ ህዝቢ ምላሽ እናሃበ ንኢትዮጵያ ናብ ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ዘብፅሕ ኢዩ- ፓርቲ ብልፅግና
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ንሕቶ ህዝቢ ምላሽ እናሃበ ንኢትዮጵያ ናብ ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ዘብፅሕ ኢዩ ኢሉ ብልፅግና ፓርቲ።
እቲ ፓርቲ ኣብዚ ሰሙን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ዘተታት ጠሚቱ ኣብ ዘውፀኦ ሰሙናዊ መግለፂ፥ ብፓርቲ ብልፅግና ዝምራሕ ናይ ምድማር መንግስቲ “ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታት ናይ ምድማር መንግስቲ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ መድረኻት ዘተ የካይድ ኣሎ ኢሉ።
ንተከታተልቲ ክልተ ሰሙናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 11 ክፍላተ ከተማታትን ኩለን ዋና ከተማታት ክልላትን እቲ መድረኽ ዘተ ልዕል ዝበለ ተሳትፎ ህዝቢ ዝተርኣየሎም ከምዝኾነ ገሊፁ።
እቶም መድረኻት ክሳብ ሐዚ ብላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲን ፓርቲን እናተመርሑ ኣብ 24 ከተማታት ከምዝተሳለጡ ኣፍሊጡ።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ከባቢታት ገፀርን ዝባፃሕ እንትኸውን፥ መላእ ህዝብና ኣካል እቲ መድረኽ ዘተ ብምዃን ክሳተፍ ኢዩ ኢሉ እቲ መግለፂ።
እቶም ሀዝባዊ መድረኻት ዘተ መንታ ሸቶታት ዝወነኑ ኢዮም ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ቀደማይ ሸቶ ፓርቲ ብልፅግና ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ንህዝቢ ኣተሓባቢሩን ተረባሒ ገይሩን ብተግባር ዝገለፀሉ ሓቂ ምስ ህዝቢ ሓቢሩ ንምግምጋም ከምዝኾነ ኣብሪሁ።
እቲ ካልኣይ ድማ፥ ብዝተፈላለዩ ውሽጣዊን ግዳማዊን ምኽኒያታት ዝረኣዩ ፀገማት ካብ ህዝቢ ብምድማፅ መፍትሒ ንምሃብ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ክልቲኦም ሸቶታት ዝሓዘ እቲ መድረኽ፥ ኣብ’ዚ ዓመት መፈለምታ ምስ ምርቓት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ተዛሚዶም ዝተበሰሩ ሸውዓተ ናይ ጉባን ናይ ምድማር መንግስቲን ብስራታት ፍልፍል ብምጥቃም መሪሕ ሓሳብ ከምዝሓረየ ገሊፁ።
እቶም ዝካየዱ ዘለዉ ህዝባዊ መድረኻት፥ ህዝቢ ዝተሰርሐሉ ስራሕ ቆፂሩ ዝፈልጥን ዘመስግንን ከምዝኾነ ኢዩ እውን ኢሉ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኩሎም መድረኻት ኣብ ዝሓለፉ 5 ክሳብ 7 ዓማውቲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ህንፀት ሃገረ መንግስቲን ብኣንደበት ህዝቢ ብናእዳን ምስጋናን ተዓጂቦም ከምዝቐረቡ ኣብሪሁ።
እቲ ተሳታፊ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ዓለም ለኻዊን ብዙሓት ዓወታትን ብራኸታትን ምምዝጋቦም ከምዝገለፀ ኣገንዚቡ።
መንግስቲ በዚኣቶም ካልኦት ብዙሓት ዓወታትን ከይተዘናግዐን ከይተኹራዕረዐን ብህዝቢ ንዝለዓሉ ፀገማትን ቅርታታትን ኣብቲ መድረኽ ክቐርቡ ከምዝተገበረ ገሊፁ።
እዚ ድማ ናይ መንግስቲ ህዝባዊነትን ኣገልጋልነቱን ዘርእይ ከምዝኾነ ብተሳተፍቲ ብጣቒዒት ተዓጂቡ ኣፍልጦን ምስክርነትን ከምዝተውሃቦ ኣፍሊጡ።
ናይ ምድማር መንግስቲ ብድልየት ለውጢ ህዝቢ ናብ መሪሕነት ዝመፅአ ህዝባዊ መንግስቲ ብምዃኑ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ካብ ህዝቢ ንህዝቢን ብህዝቢን ብዝኾነ መትከል ለውጢ ዝኾነ መሪሕነቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ።
መንግስቲን መሪሕ ፓርቲ ብልፅግናን ንህዝቢ እናዳመፁን ንሕቶታት ህዝቢ ምላሽ እናሃቡን ንኢትዮጵያ ናብ ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ከምዘብፅሑዋ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዘውፀኦ ሰሙናዊ መግለፂ ኣረጋጊፁ።