መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ትኹረት ብምሃብ ሓደሽቲ ቅርስታትን ታሪኻዊ ቦታታትን ኣልሚዑ- ወ/ሮ ሰላማት ካሳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ.ኤም.ሲ) መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ትኹረት ብምሃብ ሓደሽቲ ቅርስታትን ታሪኻዊ ቦታታትን ምልምዑ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላሚት ካሳ ገሊፀን፡፡
ካልኣይ ጉባኤ ምርምር ቅርሲን ኣውስትራሎፒተከስ ኣፋረንሲስ (ሉሲ ወይ ድማ ድንቅነሽ) ዓፅሚ ዝተረኸበሉ መዘከርታ መበል 50 ዓመት ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስመዓ እተን ሚኒስትር ኢትዮጵያ ብዙሓት ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን በዓልቲ ዋና ቅርስታት ምዃና ብምሕባር÷ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም እኹል ትኹረት ብዘይምውሃቡ ኣብ ቅርስታትን ታሪኻዊ ቦታታትን ብዝድለ ልክዕ ዘይምልምዖም ገሊፀን፡፡
ድሕሪ ለውጢ መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ዝሃቦ ትኹረት ሓደሽቲ ቅርስታትን ታሪኻዊ ቦታታትን ምልምዕ ምኽኣሎም ሓቢረን፡፡
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ቅርስታት ኢትዮጵያ ኣበባው ኣያሌው (ረ/ፕ)÷ እቲ በዓል መዚ ንዝሓለፉ 80 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ምርምርን መፅናዕትን ቅርስታት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝፀንሑ ኣረዲኦም፡፡
እቲ በዓል መዚ ቅድሚ ክልተ ዓመት ሓሙሽተ ክፍልታት ዘለውዎ ምርምር መፅናዕቲ ቅርሲ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ብምእታው ብዙሓት ትካላትን ሃገራትን ብምትሕብባር ይስራሕ ከምዘሎን ገሊፆም።
ብፋላይ ምስ መንግስቲ ፈረንሳይ ሓለዋን ቅርስታትን ዓውዲ ክንክንን ብምትሕብባር ክሰርሕ ምፅንሑ ኣረዲኦም፡፡
ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲስ ላሜክ ብግዲኦም÷ መንግስቲ ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ቅርስን ምርምርን ከምኡ እውን ሓለዋ ቅርስን ክንክንን ብዙሓት ደገፍ እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ብምኽንያት ሕድሳት ንግልጋሎት ዕፅው ኾይኑ ዝፀንሐ ብሄራዊ ሙዚየም ኢትዮጵያ ተመሪቑ ንግልግሎት ክፍቲ ከምዝኾን ተገሊፁ።
ብሚኪያስ አየለ