መንግስቲ ውሽጣዊ ፀገማት ተፃዊሩ ዘካየዶም ስራሕቲ ልምዓት ዝነኣዱ ኢዮም-በለጠ ሞላ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ውሽጣዊ ፀገማት ተፃዊሩ ዘካየዶም ስራሕቲ ልምዓት ዝነኣዱ ኢዮም ኢሎም ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ(ዶ/ር)።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ 2018 ዓ.ም ናይ መጀመሪታ 100 መዓልታት ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ መድረኽ ኣብ ኮይሻ ግድብ ምስ ሚኒስትራትን ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕን ዘቲዮም።
ኣብቲ መድረኽ እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ፥ ኣብ ፕሮጀክት ኮይሻ ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዋን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሃፍቲ ተፈጥሮን ፀጋታትን ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ተገንዚበ ኢየ ኢሎም።
እቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ቅድመ ሐዚ እውን ከምዝነበረ ብምዝኽካር፥ ይኹን እንበር ፀጋታት ፈሊኻን ተገንዚብካን ምልማዕ ዘኽእል ኣረኣእያ ብዘይምንባሩ ፀጋታት ኢትዮጵያ ብዝግባእ ምልማዕ ከምዘይተኽኣለ ተዛሪቦም።
ሐዚ ግን ፀጋታት ተፈጥሮ ኢትዮጵያ ምግንዛብን ምልማዕን ዘኽእል ኣመራርሓ ብምህላዉ ብዙሓት ግዙፍ ፕሮጀክትታት ምዝዛምን ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ድማ ምጅማርን ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።
በፍላይ ፕሮጀክት ኮይሻ ሓዊሱ ዓውዲ ቱሪዝም ሓደ ስጉምቲ ክብ ዝገበሩ ፕሮጀክትታት ምህናፆም ተዛሪቦም።
ብምሰረት እዚ ናይ ኢትዮጵያ ቱሪዝም ኢኮኖሚ እናማዕበለ ምምፅኡ ኣመላኺቶም።
ብሚኪያስ ኣየለ