መንግስቲ ፅባቐ ከተማታትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ተሓልዩ ንክዝምኑ ኣድላዩ ሓገዝ ክገብር እዪ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ መንግስቲ ፅባቐ ከተማታትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ተሓልዩ ክዝምኑ ኣድላዩ ሓገዝ ክገብር እዪ፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ ኣብ ከተማ ባህርዳር ተረኺም እናተሰርሑ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም፡፡
ባህርዳር ናብ ምቹው ከተማ ንምስግጋር ዝረድኡ ህንፀት መንገዲ፣ ልምዓት ኮሪደርን ስራሕቲ ሕድሳት ትካላት ብልዑል ርብርብ እናተካየደ ምዃኑ ምርኣዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገሊፆም፡፡
እታ ከተማ ንነበርታ ምችውቲ፣ ብበፃሕቲ ዓዲ ተፈታዊት ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ናብታ ከተማ ዝመፅኡ ጋያሹ ድማ ተመራፂት መባፅሕ ንምግባር እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ዝንኣዱ እዮም ኢሎም፡፡
እዞም ዝተጀመሩ ሰናይ ተግባራት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ፣ ብተወሳኺ ፕሮጀክታት ብፅርየት ንምዝዛም ዝካየድ ዘሎ ፃዕሪ ክጠናኸር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
መንግስቲ ፅባቐ ከተማታትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብምዕቃብ ክዝምኑን መስሕብ ቱሪዝም ንምዕባይን ክትትልን ደገፍን ዘድልዮም ጉዳያት ኣድላዩ ደገፍን ክትትልን ክገብር እዩ ክብሉ ሓቢሮም።
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana