መንግስ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዓልየት ምጥፋእ ይፍፅም ኣሎ – ውድብ ዴሞክራሲ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዓልየት ምጥፋእን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ይፍፅም ኣሎ ኢሎም ኣቦ ወምበር ውድብ ዴሞክራሲ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ኢብራሂም ሃሩን።
እቶም ኣቦ ወምበር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝበሉዎ÷ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ብዘይ ሕጊ ፍርዲ መቕተልቲ፣ ምጥፋእ ዓልየት፣ ምእሳርን ምስቓይን፣ ኣገዳዲ ወታደራዊ ምልመላን ኣገዳዲ ምምዝባል ፈፂሙ።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ናፅነት ሃይማኖት ከይህለውምን ብቋንቋኦም ከይመሃሩን ተኸልኪሎም ፅዕንቶ እናተገበረሎም ከምዝርከብ ኣመልኪቶም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ ከይገፍፉ ምግባር ሓዊሱ ካብ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ከምዝተኣገዱ ኣብሪሆም፡፡
ተወለድቲ ዓፋር ካብ ከተማ ዓሰብን ካልኦት ከባቢታትን ናይ ምምዝባል፣ ካብ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ምግላል፣ መናእሰይ ምስቓይ፣ ምዕፋንን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሕቡእ ቦታታት ብማእሰርቲ ናይ ምስቓይ ተግባራት ከምዝተፈፀመ ሓቢሮም፡፡
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር እናብፀሖ ዝርከብ ግፍዒ ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ ክሲ ከምዝቐረበ ኣብሪሆም፡፡
እቲ ሕቶ በቲ ኮሚሽን ተቐባልነት ረኺቡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲታት ምላሽ ንኽህብ ከምዝሓተተ ተዛሪቦም፡፡
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር እናብፀሖ ዝርከብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንኽኹንን እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ብኣብዱልቃድር ጀማል
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!