መንፈሳዊ ምርኢት ዝማሬ ኣእላፋት ዘደንቕ ነይሩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ድሮ በዓል ልደት ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝቐረበ መንፈሳዊ ምርኢት ዝማሬ ኣእላፋት ዘደንቕ ነይሩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ መናእሰይ ጭዋነትን ስነ ስርዓት ብዝተመልኦን መገዲ ሃይማኖቶም ምግላፆም ብዛዕባ መፃኢ ወለዶ ዘለና ኣመለኻኽታ ዝቕይር ኢዩ ኢሎም።
እዚ ትውልዲ ዕድል እንተተዋሂቡዎ ካብ ዘፍርሑን ዘስግኡን ነገራት ርሒቑ ፅቡቕ ዝኾነ መገዲ ከምዝኽተል ኣርኢዮም ኢዮም ኢሎም።
ምንቅስቓሳት ሃይማኖት ርእስኻ ብምግላፅ፣ ናይ ካሊእ ኣብ ምኽባርን ሓበራዊ ክብሪ ኣብ ምፍጣርን ዝተመስረቱ ንሃገር ዘምፅኡዎ ዋጋ ልዑል ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!