መዓልቲ ሓርበኛታት ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ መሬት ኣፍሪካ ምስዓር ከምዝከኣል ዳግማይ ዝተገለፀሉ እዮ- ኘሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መዓልቲ ሓርበኛታት(መዓልቲ ዓወት) ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ መሬት ኣፍሪካ ምስዓር ከምዝከኣል ዳግማይ ዝተገለፀሉ ብርቱዕ ቃልሲ መግለፂ ምዃኑ ኘሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣገንዚቦም።
መበል 84 መዓልቲ ጀጋኑ ሓርበኛታት ኣብ ኣራት ኪሎ ዝርከብ አደባባይ ሓወልቲ ዓወት ተኸቢሩ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ሕቕፊ ዕንባባ ድሕሪ ምቕማጦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ÷ እቲ መዓልቲ ንኢትዮጵያ ናፅነት ዋጋ ዝኸፈሉ ብሙሉእ ዓወት ዝዝከረሉ መዓልቲ እዩ ኢሎም፡፡
እቲ ዕለት ብባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ መሬት ኣፍሪካ ምስዓር ከምዝኽእል ዳግማይ ዝተገለፀሉ ብርቱዕ ቓልሲ መግለፂ እዩ ክብሉ እቶም ፕሬዚዳንት ተዛቦም፡፡
ብቆራፅነት ዝተቓለሱ ኢትዮጵያውያን ተዓወትቲ ዝኾኑሉ ከምኡ እውን ሃገር ኣሕሊፎም ዝሃቡ ብሙሉእ ተሰዓራይነት ብተግባር ዝተገለፀሉ ዕለት ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡
ስንፍናን ፖለቲካን ንዝመረፁ ሓይሊታት ጀግንነት ብሰላማዊ መገዲ ዝግለፅ ብምዃኑ ንሰላም ቕድሚት ክህቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ብሔኖክ ለሜ