መዓልቲ ሰንደቕ ዓለማ ኣብ ዝተፈላለያ ኤምባሲታት ተኸቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 18 መዓልቲ ብሄራዊ ሰንደቕ ዓለማ ኣብ ዝተፈላለያ ኤምባሲታት ተኸቢሩ።
ኣብ ኤምባሲታትን ኣብያተ ፅሕፈት ቆንስላን ቻይና፣ ፓኪስታን፣ ኲዌት፣ ሮም፣ ዚምባቡዌ፣ ፓሪስ፣ ጅቡቲ፣ እስራኤል፣ ሕቡራት ኤሚሬትስ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዕለት ተኸቢሩ።
“ሰንደቕ ዕላማና ንብስራት ዘበን ብራኸ ኢትዮጵያ፣ ብሄራዊ ሓድነትና፣ ሉኣላዊነትናን ህዳሰ ኢትዮጵያን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ተኸቢሩ።
ብተወሳኺ ሃገራዊ ሓድነትን ህብረ ብሄራዊነትን ንምፅናዕ ዝኽፈል ዘሎ መስዋእትነት ብምሕሳብ እቲ ዕለት ተኸቢሩ።