Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ፣ ክብሪን ቃል ኪዳንን ዘሐድሰሉ ኢዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ-ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ፣ ክብሪን ቃል ኪዳንን ዘሐድሰሉ ኢዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ-ስላሴ።

መበል 18 መዓልቲ ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ-ስላሴን ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተኸቢሩ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ-ስላሴ፥ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ፣ ክብሪን ቃል ኪዳንን ዘሐድሰሉ ኢዩ ኢሎም።

ሓበራዊ ማንነትና እነሐድሰሉን ናይ ፅባሕ ተስፋና እነፅነዐሉን ዓብዪ ብሄራዊ ዕለት ኢዩ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዘጋጠሟ ፈተናታት ህልውና ብናይ ህዝብታታ ሓድነት ብፅንዓት ተሳጊራ ሎሚ ናይ ባዕላ ዕድል ናይ ምውሳን ብቕዓታ ተመስክር ከምዘላ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ኣብ ባህጊ ዝተደረኸ አንተይኮነስ ብዓወት ዝተደገፈ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብቢሊየናት ዝቑፀር ፈልሲታት ብምትካል ኣብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ መሪሕ ኮይና ናይ ምምራሕ ግደኣ ምርግጋፅ ምኽኣላ እውን ገሊፆም።

ፍሪያት ግብርና ኣብ ምዕባይ እውን ህንፀት ፋብሪካ ዘበናዊ ዱኽዒ ብስሉጥ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.