Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 18 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ተኸቢሩ።

እቲ ኣብ ክልል ጋምቤላ፣ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ህዝብታት፣ ሲዳማን ሃረሪን ዝተኻየደ ስነስርዓት፥ “ሰንደቕ ዕላማና ንብስራት ዘበን ብራኸ ኢትዮጵያ፣ ብሄራዊ ሓድነትና፣ ሉኣላዊነትናን ህዳሰ ኢትዮጵያን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ተኸቢሩ።

ኣብ ምኽባር እቲ በዓል ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ነበርቲን ተረኺቦም።

ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ፥ ኣቦታትና ዘረጋገፅዎ ሉእላውነትና ንምፅናዕ ምኽፋል ዝግበአና ዋጋ ኩሉ ክንከፍል ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም።

ብስምዒት ሃርበኛታት ካብ ድኽነት ንምውፃእ ሓድነትና ሓሊና ፃዕርና እንተቐፂልና ሐዚ ዘሎ ብራኸ ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክነብፅሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.