መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 16 መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ይኽበር ኣሎ።
እቲ ዕለት “ብራኸ ሰንደቕ ዕላማና ዋሕስ ህብረ-ብሄራዊ ሓድነትናን ሉኣላዊነትናን ኢዩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ፡፡
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ኩለን ሴክተር ቤት ዕዮታት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ካልኦት ክፍሊታት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት እናተኸበረ ይርከብ፡፡
ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰዓዳ ኣብዱረህማን ሰንደቕ ዕላማ መግለፂ ክብሪ ሃገር ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ቀዳሞት ኣቦታት ኢትዮጵያ ንምፅናዕ ንኽብሪ ሰንደቕ ዕላማ ክብሉ ዓብዪ መስዋእትነት ከምዝኸፈሉ ኣዘኻኺረን።
ብተመሳሳሊ ኣብ ክልላት ሲዳማ፣ ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን መበል 16 መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዝተፈላለዩ ፍፃመታ ይኽበር ኣሎ፡፡
ብወንድሙ ኣዱኛን ጥላሁን ይልማን
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com