መዓልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓለም ለኸ መዓልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ብብርኪ ሃገር ኣብ ከተማ ኣዳማ ጉዕዞ እግሪ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ይኽበር ኣሎ።
እቲ መዓልቲ በቢዓመቱ 30 ሚያዝያ ዝኽበር እንትኾን÷ ሎሚ እውን ብብርኪ ዓለም ንመበል 78 ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 67 ግዜ “ሰብኣውነት ነሐይል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይኽበር ኣሎ።
ፈፀምቲ ስራሕ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፣ ሰራሕተኛታት፣ ወለንታውያንን ተወከልቲ ኣካላትን ሓዊሱ ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡
ብኣንዱኣለም ተስፋዬ