Fana: At a Speed of Life!

መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ከይዲ ህንፀት ካብ መንጎ ዝርከቡ ግዙፋት ፕሮጀክትታት ዓለምና ሓደ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ከይዲ ህንፀት ካብ መንጎ ዝርከቡ ግዙፋት ፕሮጀክትታት ዓለምና ሓደ ብምዃን ተኻቲቱ።

ኮንስትራክሽን ብሪፊንግ ዝተብሃለ ድረ ገፅ ናይቲ ፕሮጀክት ሀንፀቱ ወፃኢ፣ ዘተኣናግደሉ ቁፅሪ በረራን ተርሚናል በረራን መዐቀኒ ብምግባር ኣብ ህንፀት ዘለዉ 15 ናይ ዓለምና ግዙፋት ፕሮጀክትታት መዕርፎ ነፈርቲ ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ሓዎሱ ናይ ኣውስትራሊያ ፕሪዝ፣ ናይ ህንዲ ኖይዳ ከምኡውን ናይ ኣሜሪካ ሳንፍራንሲስኮን ሳን ዲያጎን መዕርፎ ነፈርቲ ኣብቲ ዝርዝር ካብ ዝተኻተቱ ተረቋሕቲ ኢዮም።

እቲ ድረ ገፅ ኣብ ዘውፀኦ ዝርዝር ሓበሬታ፥ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ብቴክኖሎጂ፣ ዲዛይን፣ ቁፅሪ ተርሚናል ምስ ካልኦት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ዝህልዎ ዘምድና ካብ መንጎ ኣብ ዓለምና ዘለዉ ግዙፋት መዕርፎ ነፈርቲ ሓደ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

እቲ ፕሮጀክት ብዙሓት ኩባኒያታት፣ ኣማኻሪታት ቴክኒካት፣ ሰብ ሞያ ምህንድስና ሞያተኛታት ምምሕዳር እቲ ፕሮጀክትን ተቖፃፀርቲን ዘካተተ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ንኢትዮጵያ ናይ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መእተዊ በሪ ኣቪዮሽን ናይ ምዃን ዓቕማ ካብ ምጥንኻር ንቀጣናዊን ኣህጉራዊን ዝምድና ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ተገሊፁ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.