Fana: At a Speed of Life!

መዘከሪ ሙዚየም ኔልሰን ማንዴላ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካን ተቓላሳይ ፀረ ኣፖርታይድን ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ዝሰልጠኑሉ ቀፅሪ ህፁፅ ደገፍ ፖሊስ ፌዴራል ኮልፌ ዝተሰየመ መዘከሪ ሙዚየም ተመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ኮሚሽነር ጄኔራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል፣ ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኖንሴባ ሎሲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብቲ እዋን ፖሊስ ኢትዮጵያ ናቃልሲ ናፅነት ኣፍሪካ ዕዚዝ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብምግላፅ÷ ኣቦ ናፅነት ፀለምቲ ህዝቢታት ዓለም ዝኾኑ ኔልሰን ማንዴላ ኣሰልጢኑ ኢዩ ኢሎም።

ኔልሰን ማንዴላ ናብ ቃልሲ ፀረ ኣፓርታይድ ንምፅምባር ከም ኣቆፃፅራ ኣውረሮፓውያን 1962 ኣብ ኢትዮጵያ ንኣዋርሕ ስልጠና ከምዝወሰዱ ብምሕባር÷ እዚ ድማ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝአተን ምልክት ፀለምቲ ህዝቢታት ዓለምን ብምዃናመሆኗ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

እቲ ሙዚየም ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካ ዘሎ ምሕዝነት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ንሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ እተበርክቶ ኣስተዋፅኦ ንምርግጋፅ ሰላም ዓለም ሰላም ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.