መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ንመሃብ ኣድላዪ ምድላው ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መዛዘሚ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ንመሃብ ኣድላዪ ምድላው ተዛዚሙ፡፡
ዋና ዳይሬክተር ምዘና ትምህርቲን ኣገልግሎት ፈተናታትን እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ፤ እቲ ፈተና ብዓወት ንምዝዛም ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ።
በዚ ድማ ምስ ቢሮ ትምህርቲ ክልላት፣ ምስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ኣካላት ፀፅታን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ምስንዳእ ሕቶታት ፈተናን መሰረተ ልምዓትን ከምዝተዛዘመ እውን ተዛሪቦም።
ኩረጃ ንምትራፍ ፈተናታት ብልዑል ስብጥር ክሰናዳእ ከምዝተገበረን ልዑል ቁፅፅር ከምዝህሉን ኣፍሊጦም።
ኣብ እዋን ፈተና ስልኪ ሓዊሱ ድምፂን ምስሊን ዝቐርፁ ኤሌክትሮኒክ ነገራት ምሓዝ ብጥብቂ ከምዝተኸልከለ ብምሕባር፤ ዝተኸልከሉ ነገራት ሒዞም ዝርከቡ ተፈተንቲ ውፅኢቶም ከምዝስረዝ ኣገንዚቦም።
መዛዘሚ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ እዚ ዓመት ካብ 23 ሰነ ክሳብ 8 ምለ 2017 ዓ.ም ከምዝወሃበ ይፍለጥ።
ብኣልማዝ መኮንን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!