Fana: At a Speed of Life!

መደመር – ናይ ለውጢ መንግስቲ ፍኖተ ካርታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 2010 ዓ.ም ሃገራዊ ለውጢ ጋህዲ ምዃኑ ስዒቡ ብኣምር ’መደመር’ ነባር ክብሪታት ምስ ሓደሽቲ ሓደሽቲ ሓሳባት ዕዙዝ ዓቕሚ ምፍጣር ከምዝከኣል ብምርኣይ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት መንግስቲ ብዙሓት ውፅኢታት እናመዝገበ ይርከብ።

በዚ ድማ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተፅሓፉ መጻሕፍቲ “መደመር”፣ “የመደመር መንገድ”፣ “የመደመር ትውልድ”ን “የመደመር መንግስት”ን ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻኻን ሃገራዊን ክብሪታት ብምውዳድ ንፖለቲካዊ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሓሳባት ብምድህሳስ ብዙሓት ውፅኢታት ክምዝገቡ ልዑል ግደ ተፃዊቶም ኢዮም።

እቶም መፃሕፍ እውን ኢትዮጵያ ዘድልያ ብምፍላይ ዝሕብሩ ስለዝኾኑ ዘሕለፍናዮምን እናሕለፍናዮም ዝርከቡን ፀገማት ፍልፍሎም ምስ ምኽንያቱ ዘቐምጡ ኢዮም።

መብዛሕተኦም ፀገማት ካብ ወፃኢ ዝተቐድሑ ሓሳባት ፖለቲካ ከምዘሎ ንምትግባር እንትፍተን ዘጋጥሙ ስለዝኾኑ ብምእንፋት እቶም ፀገማት ብምፍላይ ኣካል መፍትሒ ብምዃን እቲ ለውጢ ሃገር ዘሳግር ክኸውን ከምዘለዎ ኣፅንኦት ዝሃቡ ኢዮም።

እዚ ድማ ኣብ መሬት ዝወረዱ ውፅኢታት ብምምዝጋብ እቶም ውፅኢታት ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ይኹን ኢኮኖሚ ዝጭበጡ ኮይኖም ተቐሚጦም ኢዮም።

ፍልስፍና መደመር ኢትዮጵያውያን ተደሚሮም ሓድነታ ዝተሓለወን ዝማዕበለትን ሃገር ንምፍጣር ዘለዎ ግደ ኣጉሊሁ ዘርኢ እንትኸውን÷ ኢትዮጵያውያን ፀገሞም ባዕሎም ንኽፈትሑ ኣንፈታት ዘመላኽት ኢዩ።

ብኣድማሱ ኣራጋው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.