መድረኽ ገምጋም መዛዘሚ ፓርቲ ብልፅግና ምክያድ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መድረኽ ገምጋም መዛዘሚ ፓርቲ ብልፅግና 2017 ስራሕቲ በጀት ዓመት ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ምክያድ ጀሚሩ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ዋና ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ኣይተ ኣደም ፋራህ ከምኡ’ውን ዋና ቤት ፅሕፈት፣ ኣመራርሓ ቤት ፅሕፈት ክልልን ምምሕዳር ከተማን ተረኺቦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ በጀት ዓመት 2017 ስራሕቲ ፓርቲ ብልፅግና መዛዘሚ ሪፖርት፤ በጀት ዓመት 2017 ፓርቲ ብልፅግና ደገፍ ሱፐርቪዥን መዛዘሚ ፀብፃብን በጀት ዓመት 2018 ትልሚ መሪሕ ፀብፃብ ክቀርብ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!