መገዲታት ዕንወት ንጎድኒ ብምግዳፍ ዘለና ሃፍቲ ብዝግባእ ምጥቃም ኣለና-ኣባ ዱላ ገመዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲታት ዕንወት ንጎድኒ ብምነግዳፍ ዘለና ሃፍቲ ብዝግባእ ምጥቃም ኣለና ነበር ኣመራርሓ ኣባ ዱላ ገመዳ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ወግዒ ሶፍ ኡመር ብዝብል ርእሲ ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓታት ዘቲዮም።
ኣባ ዱላ ገመዳ ኣብቲ ዘተ፥ ባሌ ነቲ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዝኣክል ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ከምዚ ዝበለ ሃፍቲ ሒዝካ ማሕበረሰብ ኣድላዪ መሰረተ ልምዓት ከምዘይብሉን ኣብ ኣፀጋሚ ድኽነት ዝነብር ከምዝኾነን ከምዘናድድ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ባሌ ዝነብሩ ብዙሓት መናእሰይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ስደት ብምኻድ ንልዑል ጉድኣት ከምዝቃልዑ ኣብሪሆም።
ብኻሊእ መዳይ ከምዚ ዝበለ ሃፍቲ ሒዝና ብዝግባእ ኣልሚዕና ኣብ ክንዲ ምጥቃም ጊዘና እነሕልፎ ብምጭቕጫቕ፣ ጎንፂን ምውጋእን ምዃኑ ዘናድድ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተጀመረ ስራሕ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኣብ ቀፃሊ ካብ ጭቕጭቕ፣ ጎንፅን ምትዃስን ብምውፃእ ሙሉእ ዓቕምና ጭቡጥ ስራሕቲ ልምዓት ምውዓል ከምዝግብእ ኣገንዚቦም።