Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ በረራ ብምክያድ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች 8 ) የብዕል።
እቲ መገዲ ኣየር ተግባር ብምንቅስቃስ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ሓያል ተሳትፎ ከምዘለዎን የርኢ።
ናይ ሎሚ ዓመት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች 8 ) ‘ድምፂ ደቂ ኣንስትዮ ንማዕርነትን ብልፅግቲ ኢትዮጵያን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለየ ኩነታት ይኽበር ኣሎ።
ኣብ ዓለም ንመበል 115 ግዘ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 50 ግዘ ዝኽበር ዘሎ እቲ በዓል ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ሙሉእ ተሳትፎን ተረባሕነትን ብዝድህስስ መልክዑ እዩ።
እቲ መገዲ ኣየር ነዚ መሪሕ ሓሳብ ብዝገልፅ መልክዑ እቲ ዕለት እናኽበረ እንትኾን፣ሎሚ ድማ ብደቂ ኣንስትዮ ካፕቴናት ሸሞንተ በረራታት ከካይድ እዩ።
በዙይ ድማ ናብ ከተማታት ፍራንክፈርት፣ ኣክራ፣ ሙምባይ፣ ካይሮ፣ ጅቡቲ፣ ናይሮቢ፣ ዊንድሆክን ድሬዳዋን ብደቂ ኣንስትዮ ካፒቴናት ዝምራሕ ክካየድ እዩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.