Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓመት ልዕሊ 20 ሚሊየን ዓማዊል እናጓዓዓዘ ይርከብ – ኣይተ መስፍን ጣሰው

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 150 ዘበናዊ ኣውሮፕላናት ብመሓዝ ብዓመት ልዕሊ 20 ሚሊየን ዓማዊል እናጓዓዓዘ ይርከብ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው፡፡

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 80 ዓመት በዓል መዓልቲ ምስረታኡ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ መገዲ ኣየር ዝሓለፉ 80 ዓመታት ብዝተፈላለዩ ማሕለኻታት ብምሕላፍን ፈተናታት ብብልሓት ብምውፃእን ሎሚ ንዝበፅሖ ዓወት በቒዑ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብምምሃር ክሳብ 2040 ኣ.ም.ፈ ዝበፅሕ ናይ ነዊሕ እዋን ትልሚ ብምውፃእ እቲ መገዲ ኣየር ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣፅንኦት ሂቦም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን 145 ዓለም ለኸን 23 ናይ ውሽጢ ሃገርን መብፅሒታት ከምዘለዉዎ ብምግላፅ÷ ልዕሊ 150 ዘበናዊ ኣውሮፕላናት ብመሓዝዝ ብዓመት ልዕሊ 20 ሚሊየን መገደኛታት እናጓዓዓዘ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ካብ ኣፍሪካ ቀደሚ መገዲ ኣየር ክኸውን ከምዝኸኣለ ኣመልኪቶም።

እቲ መገዲ ኣየር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2040፤ መብፅሒኡ ናብ 243፣ በዝሒ ኣውሮፕላናቱ ናብ 350፣ ዘጓዓዕዞ ፅዕነት ሕዚ ካብ ዘለዎ ብዓመት 850 ሺሕ ቶን ናብ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ቶን ከምኡ እውን መደኛታት ብዓመት ናብ 60 ሚሊየን ንምዕባይን ዓመታዊ ኣታዊኡ ድማ 30 ቢሊየን ዶላር ንምብፃሕ ከምዝሰርሕ ኣብሪሆም።

እቲ ትካል ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ናይ ባዕሉ ግደ እናተዋፀአ ከምዝርከብ ኣልዒሎም።

መበል 80 ዓመት እቲ መገዲ ኣየር ብድምቀት ንምኽባር ኣብ ምድላው ከምዝኾነን ኣብ ቀፃሊ 6 ሰሙናት ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ከምዘኽብር እውን ተዛሪቦም።

ብዘመን በየነ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.