መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብ150 ሚሊየን ዶላር ዘህነፆም ፕሮጀክትታት ኣመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብ150 ሚሊየን ዶላር ዘህነፆም ፕሮጀክትታት ኣመሪቑ።
እቶም ፕሮጀክትታት፥ ክፍሊታት መፀገኒ ነፈርቲ፣ ማእኸል ፅገና ነፈርቲን ካብ ምትንኻፍ ሰብ ናፃ ዝኾነ መኽዘንን ኢዮም።
ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኣካቢ ቦርድ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ፥ እቶም ፕሮጀክትታት ዓለም ለኻዊ ተወዳዳሪነት እቲ መገዲ ኣየር ክብ ዘብሉ ኢዮም ኢሎም።
ዋና ኣፈፃሚ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ብግደኦም፥ እቶም መሰረተ ልምዓታት እዚ ዘበን ዝበፅሖ ቴክኖሎጂ ዘካተቱ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
ስሉጥ ዕብየት እቲ መገዲ ኣየር ንምድጋፍን ተወሳኺ እቶት ንምእካብን ዘኽእሉ ኢዮም አወን ኢሎም።
ብኤፍሬም ምትኩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!