Fana: At a Speed of Life!

መጥቃዕቲ እዚ ሰሜን አንዝክሮ ፍፁም ንከይድገም ኢዩ- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መጥቃዕቲ እዚ ሰሜን አንዝክሮ ፍፁም ንከይድገም ኢዩ ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።

ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ሓምሻይ ዓመት “ከይድገም፣ ፈፂምና ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይዝከር ኣሎ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ሰሜን እዚ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ፍፁም ዘይርስዕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሰሜን እዚ ኣብ ትግራይ ክልል ንዓመታት ናይቲ ክልል ህዝቢ ካብ ፅሕተራ ሻዕቢያ እንትሕሉ ካብ ምፅንሑ ብተወሳኺ ብገንዘቡ፣ ጉልበቱን ፍልጠቱን እንትድግፍ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ከምዚ ኣብ ዝበለ ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ፀሊም ጠበሳ ዘዕረፈን ክሳድ ዘድንን ታሪክን ፅሒፉ ዝሓለፈ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ሃገር ንምፅናሕ በቢእዋኑ መስዋእትነት ተኸፊሉ ኢዩ ብምባል ሰሜን እዚ ፍሉይ ዝገብሮ ብናይ ባዕሉ ወገናት ናይ ጭካነ ተግባር ዝተፈፀመሉ ብምዃኑ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ሃገር ምክንኻል ሰራዊት ሰሜን እዚ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ በቢዓመቱ እንዝክሮ ፍፁም ንከይድገም ኢዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣብ ሰሜን እዚ ዝተፈፀመ ናይ ጭካነ ተግባር እንትዝከር ብዛዕባ ውሑዳት ናይ ህወሓት ኣባላት ክሕደት ከምዝኾነ ብምሕባር እዚ ጉጅለ ሐዚ እውን ናይ ሃገር ፀላኢ ኮይኑ ምቕፃሉ ኣመላኺቶም።

ብኣንዷለም ተስፋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.