Fana: At a Speed of Life!

ሙሉጌታ ከበደ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ኮንጎ ኮኾባት ተፃትቲ ክፍሊ ምጥቃዕ ኢትዮጵያውያን ሓደ ዝነበረ ሙሉጌታ ከበደ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ፡፡

ነበር ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ሙሉጌታ ከበደ ብዘጋጠሞ ሕማም ብሕክምና ሓገዝ እናተገበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ መዓልቲ ህይወቱ ሓሊፉ፡፡

ሙሉጌታ ከበደ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስን ንብዙሓት ዓመታት ብልዑል ብቕዓት ተፃቱ ኢዩ፡፡

ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስን ኣብ ዝነበሮ ፃንሑት እውን ኣምበል ብምዃን ክፃወት ክኢሉ ነይሩ።

ስነስርዓት ቀብሩ ኮልፌ ኣብ ዝርከብ መካነ መቃብር ሙስሊም ፅባሕ ከምዝፍፀም ስድርኡ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።

ብ1970ን 80ታትን ኣብ ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኮኸብ ዝነበረ ውሩይ ተፃዋታይ ሙልጌታ ከበደ ኣብ ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተርኣዩ ኮኸባት ተፃወትቲ ሓደ ከምዝኾነ ይንገረሉ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.