Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ኢንዱስትሪን ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ኣብ ከተማ ጎንደር ወለንታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ኢንዱስትሪን ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ምስ ተፀዋዕቲ ትካላት ብምዃን ኣብ ከተማ ጎንደር ክረምታዊ ወለንታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፥ ምድግጋፍ ዝፀንሐ ባህሊ ኢትዮጵያን እዩ ኢሎም።

ብምዃኑ ናይ ምትሕግጋዝ ክብሪታት ናይ ኩሉ ግዜ ተግባር ብምግባር ግልጋሎት ወለንታዊ ምሃብ ይግባእ ኢሎም፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ንግድን ዞባዊ ዝምድናን ዓብዱልሓኪም ሙሉ (ዶ/ር) ብግዲኦም፥ ኣብ እዋን ክረምቲ ወለንታዊ ግልጋሎት ሕብረተሰብ ተረባሒ ዝገብሩ ተግባራት ኣጠናኺሩ ምክያድ ይግባእ ኢሎም፡፡

እተን ትካላት 20 ዓቕሚ ናይ ዘይብሎም ሕድሳትን ህንፀትን መንበሪ ኣባይቲ ንምክያድ 6 ሚሊየን ብር ንምምሕዳር ከተማ ጎንደር ኣረኪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ተኸላ ፈልሲን ደገፍ ናውቲታት ትምህርቲ ትካላትን ኣብታ ከተማ ዝተሰርሑ ክረምታዊ ወለንታዊ ኣገልግሎት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብጳውሎስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.