ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ምስ ተፀዋዕቲ ትካላት ብምዃን ክርምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ ኣጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ምስ ተፀዋዕቲ ትካላት ብምዃን ክርምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ ኣብ ሰበታ ወረዳ ሃዋስ ኣጀሚሩ፡፡
ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ግኣገልግሎት ወለንታ ባህሊ ኢትዮጵያውያን ብምዃኑ ናብ ዝነበረ ክብሪ ምትሕግጋዝ ብምምላስ ተግባራት ምትሕግጋዝና ክነደንፍዕ ይግባእ።
እቲ ሚኒስቴር ካብ ሞንጎ ዝውግኖም ስራሕቲ ክረምታዊ ወለንታ ህንፀት መንበሪ መንደርን ኣቢያተ ትምህርቲን ሓዊሱ ህይወት ሕብረተሰብ ክቕይሩ ዝኽእሉ ፕሮጀክታት ይርከቡዎም።
በዚ ድማ ን35 መራሕቲ ስድራ ህንፀቶም ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝዛዘም ሞዴል ፕሮጀክት መንበሪ መንደር ዝፅራሕ ኢዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብታ ወረዳ ንዝርከቡ ልዕሊ 3 ሺሕ ተምሃሮ መምሀሪ ናውቲ ሓገዝ ተገይሩ።
ብሄሮን ዋልታው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!