Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ብ20 ሚሊየን ብር ዘህነፆም ኣባይቲ ንተረባሕቲ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ምስ ቢሮ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን እቲ ክልል ብምትሕብባር ብ20 ሚሊየን ብር ዘህነፆም ኣባይቲ ንዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት ኣረኪቡ።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ እቲ ቢሮ ሙክታር ሳሊህ፥ እቲ መርሃ ግብሪ ንሸሞንተ ዓቕሚ ዘይብሎም መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ዝገበረ ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ እቲ ክልል እውን ተመሳሰልቲ ተግባራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት የካይድ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቲ ሚኒስቴር ፅርየትን ሰሌጠንን መሰረት ብዝገበረ መገዲ ንዘካየዶ እወንታዊ ተግባር አመስጊኖም።

ብተስፋዬ ሃይሉ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.