Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቀልጡፍን ኣገልግሎት ንመሃብ ዘኽእል ዲጂታል ስርዓት ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ትካላዊ ኣሰራርሑኡ ብምዝማን እዋኑ ዝሓለወን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ንመሃብ ዘኽእል ዲጂታል ስርዓት ተግባራዊ ምግባር ጀሚሩ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዝማዕበለ ዲጂታል ምሕደራ ሰነድን ማህደርን ወረቐት ኣልቦ ስርዓት ኣሰራርሓ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ገይሩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ እቲ ሚኒስቴር ትካላዊ ሪፎርም ኣካል ዝኾነ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምትግባር ከምዝጀመረ ብምሕባር÷ ነዚ ድማ ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዲጂታል ስርዓት ከምዘልመዐ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ስርዓት ምሕደራ ሰነድን ማህደርን ኣብቲ ሚኒስቴር ካብ ኣተሓሕዛ መዝገብ ክሳብ ልውውጥ ሓበሬታ ሚሲዮናት ክበፅሕ ዝነበረ ኣሰራርሓ ወረቐት ክተርፍ ብምግባር ቅልጡፍ ስርዓት ኣገልግሎት ንምፍጣር ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም፡፡

እዋኑ ዝጠልቦ ስርዓት ዘበናዊ ኣተሓሕዛ ስርዓት ሰነድ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ግዘን ወፃኢን ከምዝቑጥብ ሓቢሮም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.