ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዘህነፆም ኣባይቲ ንዓቕሚ ዘይብሎም ኣረኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ኤምባሲ ኬኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዘህነፆም 20 ኣባይቲ ንዓቕሚ ዘይብሎም ኣረኪቡ።
እቲ ሚኒስቴር ነቶም ኣባይቲ ኣብ ዝገበሮም ስነ ስርዓት ርኽከብ፥ ከንቲባ ምምሕዳር ድሬዳዋ ከድር ጁሃር፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ(ዶ/ር) ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣምባሳደርትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
እቶም ኣባይቲ ዘመናዎትን ተገጣጠምቲን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ብተስፋዬ ሃይሉ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!