Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ የመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ሓዘኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ የመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ንዝበፅሐ ሓደጋ ሞት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ፡፡

እቲ ዝበፅሐ ሓደጋ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን እቲ ሚኒስቴር ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብዝበፅሐ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ስድራን ምፅንዕናዕ ተመንዮም።

መንግስቲ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሕጋዊ መንገዲ ክሰርሑ፣ ንብዙሓት ዜጋታት ዝጠቅም ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት ይገብር ከምዘሎ ኣረዲኡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ዜጋታት ብሕጋዊ መገዲ ምውፋር ስራሕ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ተረባሕቲ ንኽኾኑን ዜጋታት ካብ ዘይሕጋዊ መንገዲ ዝውውር ዓርሶም ክሕልው ኣተሓሳሲቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.