ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ የመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ሓዘኑ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ የመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ንዝበፅሐ ሓደጋ ሞት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ፡፡
እቲ ዝበፅሐ ሓደጋ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን እቲ ሚኒስቴር ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ብዝበፅሐ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ስድራን ምፅንዕናዕ ተመንዮም።
መንግስቲ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሕጋዊ መንገዲ ክሰርሑ፣ ንብዙሓት ዜጋታት ዝጠቅም ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት ይገብር ከምዘሎ ኣረዲኡ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ዜጋታት ብሕጋዊ መገዲ ምውፋር ስራሕ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ተረባሕቲ ንኽኾኑን ዜጋታት ካብ ዘይሕጋዊ መንገዲ ዝውውር ዓርሶም ክሕልው ኣተሓሳሲቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!