Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኣትው ኣለው

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሪካ ኣብ መበል 48 ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራትን ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናኣተው ይርከቡ፡፡
ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሞንጎ ዝኣተዉ ሚኒስትራት ውሽጢ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሶማልያ ዓብዲሰላም ኣብዲን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሴራሊዮን ሙሳ ቲሞቲ ካባን ይርከብዎም።
ከምኡ እውን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሳህራዊ ዓረብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ መሓመድ ስልም ቤይሳትን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሞሪታንያ ሞሓመድ ሳሌም ዑድ መርዞግን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ብሓለፍቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣቐባብላ ገይሮምሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.