Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ምስ ዳይሬክተር ፈንድ ኩዌት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ጎድና ጎድኒ ዓመታዊ ጉባኤ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይኤምኤፍ)ን ምስ ተጠባባቒ ዳይሬክተር ፈንድ ኩዌት ዋሊድ ኣል ባሃር ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኩዌትን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ምጥንኻር ከምኡ እውን ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ዘትዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ክልቲኦም ወገናት ቅድሚት ኣብ ዝህቡዎም ዘፈራት ልምዓት ብሓገዝ ፈንድ ኩዌት ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ፕሮጀክታት ልምዓት ኣመልኪቶም ተዛቲዮም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከይዲ ምንካይ ዕዳ ሓዊሱ መንግስቲ ዝወገኖም ስራሕቲ ሪፎረም ከምኡ እውን ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ቅድሚት ዝወሃቦም ቁልፊ ስራሕቲ ልምዓት ብዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡

ኢትዮጵያ ሓዱሽ ንእተሃንፆ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሓገዝ ገንዘብ ምግባር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ጠሚቶም ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ኣብ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት መገዲ ሓገዝ ፈንድ ኩዌት ወሳኒ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ኣልዒሎም፡፡

ዳይሬክተር ፈንድ ኩዌት ኣል ባሃር ብግደኦም ራኢ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምንኣድ፥ በቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚ እናተመዝገቡ ዝርከቡ ውፅኢታት ዝበረታትዑ ኢዮም ኢሎም፡፡

ትካሎም ዓበይቲ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገኑ ንዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.