Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ምስ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ምስ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ  ኒጄል ክላርክ ዘቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዘተ፥ እቲ ትካል ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ንኢዶም።

ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ኣብ ምዕባይ፣ ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ንምምሕያሽ ናብራ ዜጋታትን ልዑል ኣስተዋፅኦ ይገብር ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ምክትል ዳይሬክተር  ኣይ ኤም ኤፍ  ኒጄል ክላርክ ብግደኦም፥ ኣጀንዳ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ንካልኦት ሃገራት መርኣያ ከምዝኸወን ገሊፆም።

ኣይ ኤም ኤፍ ናይ ኢትዮጵያ ለውጢ ንምድጋፍ ዘለዎ ቁርፀኝነት ኣረጋጊፆም።

ብተወሳኺ ትግበራ እቲ ሪፎርም ልዑል ወፃኢ ከምዘለዎ ብምሕባር፥ ተወሳኺ ፋይናንስ ንምእካብ ከም  ባንኪ ዓለም ምስ ዝበላ መዳርግቲ ልምዓት ቀፃልነት ዘለዎ ምትሕብባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.