Fana: At a Speed of Life!

ሚዛን ኣፍሪካ ብምሕው ኣህጉራዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዕላማ ዝተሓንገጠ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚዲያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ሚዛን ኣፍሪካ ብምሕው ኣህጉራዊ ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእል ኢዩ፡፡

ም/ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣይተ ፍፁምእሸት ሽመልስ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ መልክዕን ድምፂን ኣፍሪካ ዝጋወሐሉ ሚዲያ ኢዩ፡፡

ንኣፍሪካዊያን ዝተበርከተ ኣህጉራዊ ያታ ዝንፀባረቐሉ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ መላእ ኣፍሪካዊያን ድምፆምን መልከዖምን ዝምልከቱሉ ኢዩ ኢሎም፡፡

ዜና፣ እዋናዊን መዘናግዒን ስራሕቲ ዝውግን ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ÷ ብብርኪ ሓበሬታ መሪሕ ማእኸል ንምዃን ከምዝሰርሕ ኣብሪሆም፡፡

ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ድምፂ ኣፍሪካ ዘጉልህን ኣህጉራዊ ዓወታት ንመላእ ዓለም ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ሚዲያ ምስሊ ኢትዮጵያ ካብ ምህናፅ ሓሊፉ ፅቡቕ ምስሊ ኣፍሪካ ኣጉሊሁ ንዓለም ኣብ ምርኣይ ብዙሕ ስራሕ ከምዝውግን ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ብእንግሊዝኛን ዓረብኛን ቋንቋታት ፈነወ ከምዝጀመረ ብምሕባር÷ ኣብ ቀፃሊ መፅናዕቲታት ተገይሮም ብዙሕ ተበፃሕነት ብዘለዎም ካልኦት ቋንቋታ ፈነወ ከምዝገብር ኣብሪሆም፡፡

ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ድሌት ኢትዮጵያን ልዕልና ኣፍሪካን መብፅሒኡ ዝገበረ ሚዲያ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር÷ ኣብ መዳይ ያታ ሚዛን ኣፍሪካ ብምሕላው ኣህጉራዊ ምትእስሳር ዝህነፀሉ ኢዩ እውን ኢሎም፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.