ማንቸስተር ሲቲ ተኸታታሊ ስዕረት ኣተኣናጊዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 3ይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲ ብብራይተን 2 ን 1 ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡
ብራይተን ንኽትዕወት ነበር ተፃዋታይ ማንቸስተር ሲቲ ጀምስ ሚልነር ብፍፁም ቅላዕን ግሩዳን እንተመዝግቡ፤ ብሕታዊት ሸቶ ማንቸስተር ሲቲ ድማ ኤርሊንግ ብራውት ሃላንድ ኣመዝጊቡዋ፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ማንቸስተር ሲቲ ኣብቲ ሊግ ካልኣይ ተኸታታሊ ስዕረት ኣተኣናጊዳ ፡፡
ኣብ ካሊእ መርሃ ግብሪ ፀወታ ዌስትሃም ዩናይትድ ንኖቲንግሃም ፎረስት 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስኢራታ፡፡
ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ትፅቢት ፀወታ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ሰዓት 12፡30 ኣብ ስታዲየም ኣንፊልድ ሮድ ሊቨርፑል ምስ ኣርሰናል ከራኽብ ኢዩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!