ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናል ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ናብ 3 ንምፅባብ ትገብሮ ፀወታ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 26 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ናይ ፅዋዕ ተነሓናሕነታ ንምጥንኻር ክትፃወት ኢያ።
ብፔፕ ጓርዲዮላ ትምራሕ ሲቲ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4፡30 ምስ ፉልሃም ትገብሮ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ሲቲ ኣሜዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ትገብሮ ፀወታ፤ ምስ መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ዘለዋ ኣደላላይ ነጥቢ ናብ 3 ንምፅባብ ክትነሓናሕ ኢያ፡፡
ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ ጋንተኣ ኣስቶንቪላ ምስ ብራይተን፣ ክሪስታል ፓላስ ምስ በርንሌይ፣ ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ወልቭስ ፀወታአን ክገብራ ኢየን።
ካብዚ ብተወሳኺ ሰንደርላንድ ምስ ሊቨርፑል ዝገብረኦ ፀወታ ምሸት ሰዓት 5፡15 ክካየድ ኢዩ፡፡