Fana: At a Speed of Life!

ማንቼስተር ሲቲ ንሊቨርፑል ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ፅዋዕ ኤፍ ኤ ማንቼስተር ሲቲ ንሊቨርፑል 4 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ስዒራ።

ብኣሰልጣኒ ፔፕ ጓርዲዮላ ትምራሕ ጋንታ ሲቲ፤ ኣብ ሜዳኣ ኣብ ዘካየደቶ ፀወታ ንሊቨርፑል ብምስዓር  ናብ ፍርቂ ፍፃመ ምሕላፋ ኣረጋጊፃ።

ኣብቲ ፀወታ ተፃታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ማንቼስተር ሲቲ ኤርሊንግ ሃላንድ 2 ሸቶ ብፀወታ ሓንቲ ሸቶ ድማ ብፍፁም ቅላዕ ብምምዝጋብ ሃትሪክ ሰሪሑ።

ከመኡ እውን ኣንቶኒዮ ሴሚኒዮ ነታ ራብዐይቲ ሸቶ እንመዝግባ፤ ሊቨርፑል ኣብቲ ፀወታ ዝረኸበታ ፍፁም ቅላዕ ሞሓመድ ሳላህ ክጥቀመላ ኣይከኣለን።

ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ፅዋዕ ኤፍ ኤ ፀወታታት ቀፂሎም እንትካየዱ ምሸት ሰዓት 15፡15 ቼልሲ ንፖርትቬል ኣብ ሜዳኣ እንትተተኣናግድ ምሸት ሰዓት 4 ድማ ኣርሰናል ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ሳውዝሃምፕተን ክትገጥም ኢያ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.