Fana: At a Speed of Life!

ማንቼስተር ሲቲ ንዶናሩማ ኣፈሪማቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ማንቼስተር ሲቲ 30 ሚሊን ዩሮ ወፃኢ ብምግባር ንጣሊያናዊ ሓላዊ ሽቶ ጂያንሉጂ ዶናሩማ ካብ ፒኤስጂ ምፋራማ ዕላዊ ገይራ።
ዶናሩማ ኣብ ማንቼስተር ሲቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም.ፈ ዘፅንሕ ኪንትራት ተፈራሪሙ፡፡
እዚ ሓላዊ ሽቶ ኣብ ፒኤስጂ 2024/25 ዓመት ውድድር ንፈለማ እዋን ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ፅዋዕ እንተዕውት ልዑል ግደ ምብርካቱ ኣይርሳዕን፡፡
ማንቼስተር ሲቲ ንቁፅሪ ሓደ ሓላዊ ሽቶ ኤደርሰን ሞራይስ ናብ ቱርካዊት ክለብ ፌነርባቼ ኣሕሊፋ ማሃባ ስዒቡ ንዶናሩማ መተካእታኣ ኣፈሪማቶ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.