Fana: At a Speed of Life!

ማንቼስተር ዩናይትድን ቶተንሃምን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 11 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዝተራኸባ ቶተንሃምን ማንቼስተር ዩናይትድን 2 ን 2 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን።

ኣብ ስታዲየም ቶተንሃም ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ቴልን ሪቻልሰንን ንቶተንሃም እንተመዝግቡ፤ ናይ ማንቼስተር ዩናይትድ ሸቶታት ድማ ምቤሞን ዲ ሊት ኣመዝጊቦምወን።

ፀወታታት እቲ ሊግ ምሸት ሰዓት 12 እንትቕፅል ኤቨርተን ምስ ፉልሃም ከምኡ እውን ዌስትሃም ምስ በርንሌይ ክራኸባ ኢየን፡፡

ምሸት ሰዓት 2፡30 ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ፀወታታት ምንም ሸቶ ዘየተኣናገደት መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ናብ ስታዲየም ኦፍ ላይት ብምራሕ ኣብ ፅቡቕ ብቕዓት ምስ ትርከብ ሰንደርላንድ ክትገጥም ኢያ፡፡

ስዊዘርላንዳዊ ነበር መድፈዐኛ ግራኒት ዣካ ኣንፃር ነበር ጋንትኡ ኣብ ዝገጥመሉ ፀወታ ጋንታ ሰሜን ለንደን ኣርሰናል መሪሕነታ ንምዝዛም ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ቼልሲ ንኣሰልጣኒ ጋሪ ኦኔል ምስ ዘሰናበተት ዎልቭስ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.