Fana: At a Speed of Life!

ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኒውካስል ዩናይትድ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 18 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኒውካስል ዩናይትድ ክራኸባ ኢየን፡፡

ዝሓለፉ ክልተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ክትዕወታ ዘይከኣላ ክልቲአን ጋንታታት ናብ ዓወት ንምምላስ ሎሚ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ኦልድትራፎርድ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡

ክልቲአን ጋንታታት ኣብቲ ፕሪሚየር ሊግ ሕድሕድ ካብ ዝገበረኦም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት፤ ኒውካስል ዩናይትድ ኣርባዕተ ግዘ ብምስዓር ፀብለልታ ዘለዋ እንትትከውን፥ ማንቼስተር ዩናይትድ ሓንቲ ፀወታ ጥራሕ ዓወት ኣመዝጊባ፡፡

ማንቼስተር ዩናይትድ ብ26 ነጥቢ ኣብ 7ይ ደረጃ እንትትቀረመጥ፥ ኒውካስል ዩናይትድ ብ23 ነጥቢ መበል 11 ደረጃ ትርከብ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.