ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኣርሰናል ኣብ ፈላማይ ሰሙን ክራኸባ እየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 2025/26 ውድድር ዓመት ፀወታ ሎሚ ዕላዊ ኮይኑ።
በዙይ መሰረት መርሃ ግብሪ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኣርሰናል ኣብ ፈላማይ ሰሙን ዘራኽብ ካብ ብሕዚኡ ትፅቢት ይግበር፡፡
ሻምፒዮን ሊቨርፑል ኣብ መርሃ ግብሪ ፈላማይ ሰሙን ፀወታ ንቦርንማውዝ ኣብ ኣንፊልድ ከተአንግድ እያ።
ካልኦት ፈላማይ ሰሙን ፀወታታት ዎልቭስ ምስ ማንቼስተር ሲቲ፣ ቼልሲ ምስ ክሪስታል ፓላስ፣ አስቶን ቪላ ምስ ኒውካስል ዩናይትድ፣ ቶተንሃም ሆትስፐር ምስ በርንሌይ፣ ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ብሬንትፎርድ፣ ሊድስ ዩናይትድ ምስ ኤቨርተን፣ ብራይተን ምስ ፉልሃም፣ ሰንደርላንድ ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ክገጥማ እየን።
ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 2025/26 ካብ 9 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ክጅምር እዩ።
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!