ማንቼስተር ዩናይትድ ደረጅኡ ንምምሕያሽ ዝገብሮ ፀወታ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 14 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ሎሚ ምሸት ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ክራኺቡ ኢዮም።
ማንቼስተር ዩናይትድ ምሸት ሰዓት 5፡00 ኣብ ዝገብሮ ፀወታ እንተስዒሩ ነጥቡ 24 ብምብፃሕ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ክቕመጥ ኢዩ።
ክልቲኦም ጋንታታት ኣብቲ ፕሪሚየር ሊግ ተራኺቦም ኣብ ዝገበርዎም ሓሙሽተ ፀወታታት ዌስትሃም ዩናይትድ ሰለስተ ጊዘ ብምስዓር ፀብለልታ ዘርኣየ እንትኸውን፥ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ‘ቶም ዝተረፉ ክልተ ፀወታታት ተዓዊቱ።
ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት፥ ኣርሰናል 2-0 ብሬንትፎርድ፣ ቼልሲ 1-3 ሊድስ ዩናይትድ ብዝኾነ ውፅኢት ተፈላሊዮም።
ኣብ ኣንፊልድ ምስ ሰንደርላንድ ዝገጠመ ሊቨርፑል ድማ 1 ን 1 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት እንትፈላለዩ፥ ኣስቶንቪላ ኣብ ልዕሊ ብራይተን፣ ክሪስታል ፓላስ ኣብ ልዕሊ በርንሌይ፣ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣብ ልዕሊ ወልቭስ ተዓዊቶም።