ማእኸል መሰልጠኒ እዚ ፍሉይ ወፍሪ ዘተኣማምን ሓይሊ ኮማንዶ ብምስልጣን እናብቀዐ ይርከብ – ሌ/ጄ ሹማ ኣብደታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማእኸል መሰልጠኒ እዚ ፍሉይ ወፍሪ ዘተኣማምን ሓይሊ ኮማንዶ ብምስልጣን እናብቀዐ ይርከብ ኢሎም ኣዛዚ ማእኸል መሰልጠኒ እዚ ፍሉይ ወፍሪ ሌተናል ጄነራል ሹማ ኣብደታ፡፡
ሌ/ጄ ሹማ ኣብደታ ማእኸል መሰልጠኒ እዚ ፍሉይ ወፍሪ ብላቴ ብምርካብ 4ይ ዙር መሰረታዊ ስልጠና ውትድርና ብምጅማር መበል 44 ዙር ሰልጠንቲ ኮማንዶ ተመልኪቶም፡፡
ኣብቲ እዋን እቲ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ብዲሲፕሊን ዝተሃነፀ ትኽክለኛን ፅንዓትን ዝተላበሰ ሃገራዊ ፍቕሪ ዘለዎ ኢትዮጵያዊ ሰራዊት ዝህነፀሉ ማእኸል ኢዩ ኢሎም፡፡
ሰልጠንቲ ዝደንፈዐ ልምዲ ኣሰልጠንቲ ብምፅቃም ብዲሲፕሊን ዝተሃነፀ ጥንኩር ከምአኡ እውን ሃገራዊ ፍቕሪ ዝተላበሰ ወታደር ንምዃን ጠንኪሮም ንኽሰርሑ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ኮማንዶ ብእምነት ንባዕሉ ኣሕሊፉ ብመሃብ ንሃገሩ ዘኹርዕ ታሪኽ ዝሰርሕ ከምዝኾነ ሌተናል ጄነራል ሹማ ኣብደታ ኣበርሪሆም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!