Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል ምርምር ሚዲያ ኢትዮጵያ ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ዓቕሚ መራኸብቲ ሓፋሽ ንምዕባይ ብዝብል ዘጣየሾ ማእኸል ምርምር ሚዲያ ኢትዮጵያ ስራሕ ጀሚሩ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዓውዲ ሰላም፣ ሰናይ ምምሕዳር ይኹን ጉዳያት ኢኮኖሚ እዋናዊን ሓቂን ሓበሬታ ብምቕራብ መራኸብቲ ሓፋሽ ግደአን ዝዓበየ ኢዩ።

ሚዲያታት ንምዕባለ ማሕበረሰብ ናይ ባዕልተን ግደ ብምፅዋት ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ግደአን ክዋፃኣ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ብኢትዮጵያ ልክዕ ዝተጣየሸ ማእኸል ምርምር ሚዲያ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምሕላው ዝኽአል ካብ ምዃን ብተወሳኺ ተበፃሕነት ሓበሬታ ንምዕዋት ርኡይ ግደ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም።

ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ዓውዲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ብግደኦም፥ መራኸብቲ ሓፋኝ ብሄራዊ ረብሓ፣ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ ሓበራዊ ያታን ብልፅግና ኢትዮጵያን ንምርግጋፅ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.