ማይ ኣባይ ንብሕቲ እናተጠቐሙ ዝነበሩ ኣካላት ስምምዓት ባዕዳዊ መግዛእቲ ክቕፅሉ ይደልዩ ኢዮም – ጌዲዮን ኣስፋው (ኢ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማይ ኣባይ ንብሕቲ እናተጠቐሙ ዝነበሩ ኣካላት ስምምዓት ባዕዳዊ መግዛእቲ ክቕፅሉ ይደልዩ ኢዮም ኢሎም ተደራዳሪ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ኣስፋው (ኢ/ር)፡፡
ኣብ ሩባ ኣባይ ግብፂን ሱዳንን ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበሩ ስምምዓት ንኽቕፅሉ ድሌት ከምዘለዎ ዝገለፁ ጌዲዮን (ኢ/ር)÷ ኣብቲ እዋን ኢንግሊዝ፣ ግብፂን ሱዳንን ላዕለዎት ተፋሰስ ሃገራት ዘየሳተፉ ውዕላት ከምዝተፈራረማ ኣዘኻኺሮም።
ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ኣብ ዘይተሳተፈትሉ ውዕሊ ከምዘይትግዛእ ብምግንዛብ ብምትሕብባር መላእ ኢትዮጵያዊያን ግድብ ህዳሰ ብምህናፅ ኣብቲ ማይ ናይ ምጥቃም መሰል ከምዘረጋገፀት ኣመልኪቶም።
በዚ ድማ ልዑል ትርጉም ዘለዎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብምህናፅ 74 ቢሊየን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ምሓዝን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋልን ምኽኣላ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም።
ቴክኒካል ኣማኻሪ ኮሚሽን ተፋሰስ ናይል ዘነበ ላቀው (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ብሓባር ንምጥቃምን ብዘላቕነት ንምልማዕን እቲ ተፋሰስ ምክንኻንን ምምሕዳርን ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1999 ኢኒሼቲቭ ተፋሰስ ናይል ከምዝተጣየሸ ገሊፆም።
ኣባል ሃገራት እቲ ተፋሰስ እናተዛተያ ብዘላቕነት ንምጥቃምን እዚ ክመርሕ ዝኽእል ቀዋሚ ትካል ክዛብ ዝምስረት ኢኒሼቲቭ ተፋሰስ ናይል ከምዝተመስረተ ብምግላፅ÷ ብመሰረት እዚ ማዕቐፍ ምትሕብባር ቅድሚ 1 ዓመትን 6 ወርሒን ኮሚሽን ተፋሰስ ሩባ ናይል ከምዝተጣየሸ ኣብሪሆም።
እቲ ኮሚሽን ተፋስ ሃገራት ብሓባር ክለምዓን ክዓብያን ዘተሓባብር ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ስምምዕነት ተፋሰስ ሃገራት እውን ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብዮናስ ጌትነት